Samling 5
መስርሕ ጥንስን ሕርስን
ዕላማ ናይዚ ርክብ እዚ ንናይ ጓል ኣንሰተይቲ ኣካላት መፍረ ኣሰራርሓን፡ ጾታዊ ርክብን ጥንስን ሕርስን ብዝምልከት ንቕሓትናን ግንዛቤናን ክብ ብምባል ጽቡቕ ርድኢት ንኽህልወና እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ኖርወይ ኣብ ግዜ ሕርሲ ሓገዝ ክርከብ ዘሎ ተኽእሎን፡ ምኽንሻብ ኣብ ግዜ ሕርሲ ይኹን ናይ ሕርሲ መስርሕ ብዛዕባ ዘስዕቦ ጸገም ተወሳኺ ኣፍልጦ ክብ ንምባል እዩ። እቲ ብሓፈሻዊ ዕላማ፡ ምስ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ጽቡቕ ዝምድናን ኣኽብሮትን ክህልወና ንምትብባዕ እዩ።